ትግርኛ


ቋንቋታት ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ ትሽዓተ ቋንቋታት ኣለው። እቶም ዝውቱራት ናይ መራኸቢን ስራሕን ቋንቋታት፡ ትግርኛን (50%)  ከምኡ ውን ዓረብ እዮም። እቶም ካልኦት ዝዝረቡ ቋንቋታት ድማ ትግረ (40%)፡ ዓፋር (4%)፡ ሳሆ (3%)፡ ሕዳርብ፡ ብሊን፡ ናራን ኩናማን እዮም። ቋንቋ እንግሊዝን ጣልያንን ውን ኣብ ኣገልግሎት ይውዕሉ እዮም።

ኣብ ኤርትራ ዋላ'ኳ ፍሉይ ወግዓዊ ቋንቋ ዝበሃል እንተዘየለ፣ ትግርኛ፡ ዓረብ ከም ውን ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ሃገራዊ ንግድን ስራሕን ብብዝሒ ይዝረቡ። ኤርትራ ፡ ማዕረ ምዕባለ ኵለን ሃገራውያን ቋንቋታት ተተባብዕ። ህጻናት ኣብ መባእታ ደርጃ ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደ ይመሃሩ።

ኣብ ጥቓ መወዳእታ ናይ 19 ክ.ዘ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኢጣልያውያን ገባር ኣብ ኤርትራ ሰፈሩ። ኣብ ምውጻእ መግዛእቲ ኢጣልያ ብ1941፡ ገለ 70,000 ዝኾኑ ኣብ ኤርትራ ተረፉ። 

ኣብ ግዜ ምምሕዳር ብሪጣንያ፡ ክልተ ወግዓውያን ቋንቋታት ማለት  ትግርኛን ዓረብን ኣብ ስራሕ ነበሩ ።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ምስ ተቖርነት፡ ኣምሓርኛ ወግዓዊ ቋንቋ ክኸውን እኳ እንተ ተወሰነ፡ ኤርትራውያን ግን ቋንቋ ኣደ ናብ ደቆም ምውራስ ኣየቋረጹን።

ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ቋንቋ እንግሊዝ ከም ናይ ትምህርቲ ማእከላይ ቋንቋ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኵሉ መባእታ ደረጃ ብቋንቋ ኣደ ንኽወሃብ እዩ።

ትግርኛ

ትግርኛ ምስ በዓል ቋንቋ ዓረብ ፡ ዕብራይስጥን ኣምሓርኛን ዝምደብ ሴማዊ ቋንቋ እዩ። እዞም ቋንቋታት ኣብ ትሕቲ ስድራ-ቤት ኣፍሮ-ኤስያውያን ቋንቋታት ይጥርነፉ። ቋንቋ ማልታ፡ ኣራማይስጢ፡ ሱርስት (ሶርያ)፡ ትግረ ከምኡውን ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ጥራይ ተሓጺሩ ዝርከብ ጥንታዊ ግእዝ ውን ካልኦት ሴማውያን ቋንቋታት እዮም። ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ሰሜን ኢትዮጵያን (ትግራይ) ይዝውተር። ናይ ክልቲኡ ሃገራት ብዝሒ ተዛረብቲ እዚ ቋንቋ እዚ ልዕሊ 7 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይግመት። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ኣውስትራልያ፡ ኣፍሪቃ ከምኡውን እስራኤል ብዙሓት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ስደት ይነብሩ። 
ትግርኛ ምስ ግእዝ ፡ ኣምሓርኛን ትግረን ቀረባ ዝምድና ክህልዎ ከሎ ምስ ዓረብን ዕብራይስጢን ግን ርሕቕ ዝበለ ዝምድና ኣለዎ። 

ስርዓተ-ጽሕፈት ቋንቋ ትግርኛ ካብ ቋንቋ ግእዝ ዝተወርሱ ፈደላት ይጥቀም። ብቋንቋ ትግርኛ ተጻሒፉ ዝተረኽበ ዝገደመ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ኤርትራ ሎጎሳርዳ ዝተባህለ ከባቢ ዝተረኽበ ናይ ሕጊ እንዳባ ጽሑፍ እዩ። እዚ ጽሑፍ ኣብ መበል 13 ክ.ዘ ዝተጻሕፈ እዩ።


ምንጪ፡
    http://www.eritrea.be/old/eritrea-languages.htm
    http://aboutworldlanguages.com/tigrinya
    http://www.ucl.ac.uk/atlas/tigrinya/language.html
    https://www.ethnologue.com/language/tir
    https://en.wikipedia.org/wiki/Tigrinya_language