መእተዊ -------- 1. ባህርያዊ ቋንቋ - ናይ ደቂ ሰባት ቋንቋ ካብ ናይ ቀመርቲ (computers) ቋንቋ ንምፍላይ ንጥቀመሉ ቃል እዩ። 2. ሰብ-ሰርሖ ብልሒ - ሓደ ክፋል ስነፍልጠት ቀማሪት (computer science) ኰይኑ፡ ቀመርቲ ማሽናትን ረቂቃንን (software) ተጠቒምካ ንናይ ደቂሰባት ዝመሳሰል ብልሒ ንምምዕባል ዘጽንዕ ዓውዲ እዩ። 3. ምስርሐ ባህርያዊ ቋንቋ - ቀማሪት ንመልእኽቲ ባህርያዊ ቋንቋ ደቂ ሰባት ከም እትርድኦ ንምግባር ዝመራመር ዓውዲ እዩ። ቀመራዊ ስነ-ልሳን ዝብል ቋል ውን ተመሳሳሊ ዕዮ ይገልጽ። 4. ስነ-ልሳን ኮርፐስ - ኮርፐስ ዝብል ቃል ንመጽናዕቲ ስነ-ልሳን ተባሂሉ ዝጥርነፍ ጽሑፋት ወይ ሰነዳት ማለት እዩ። ኮርፐስ ብዝተኻእለ መጠን ንዝተፈላለየ ባህርይ ናይ ሓደ ልሳን ዝውክል ኣዝዩ ብዙሕ ጽሑፋት ኪሓቑፍ ኣለዎ። ሰነ-ልሳን ኮርፐስ ካብ ምስርሐ ኮርፐስ ብዝርከብ ኣሃዛዊ ሓበሬታ ተመርኵሱ ፡ መጽናዕቲ ባህርይ ልሳናት ዘካይድ ዓውዲ ስነ-ልሳን እዩ። ከም እኒ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ዝኣመሰሉ ስሙያት ቋንቋታት ክሳብ ብኣማኢት ሚልዮናት ቃላት ዘዋህለለ ገዘፍቲ ኮርፖራታት ይውንኑ። ኣብ ኢንተርነት ድማ ንህዝቢ ብናጻ ክፉታት ኮይኖም፡ ኣብ ምስርሐ ባህርያዊ ቋንቋ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብሩ ኣለው። ቋንቋ ዓረብ ውን ብዙሕ ጸጋታት ኮርፐስ ተሃኒጹሉ ኣሎ። ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ንመጀመርያ ግዜ ሓደ ፈተነ ምምዕባል ኮርፐስ ትግርኛ ነካይድ ኣለና። ካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ መጋቢት 2013 ክሳዕ ታኅሣሥ 2013 ዝተሓትሙ ሓደ ሓደ ጽሑፋት ብምውህላል፡ ንኡስ ዓቐን ዘለዎ በዓል 72,000 ቃላት ኮርፐስ ተሃኒጹ ኣሎ። ነዚ ኮርፐስ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ eng.jnlp.org/yemane/ntigcorpus ይርከብ። ኣብዚ ጦማር እዚ እነካፍሎ ንትግርኛ ዝምልከት ሓበሬታ ነዚ ኮርፐስ እዚ ብምውካስ ክኸውን እዩ። እምበኣር ናብ ጥንተ-ነገርና ክንምለስ። ሓደ ቋንቋ ንምፍላጥን ንምርዳእን፡ ናይቲ ቋንቋ ሰዋስው ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ። ሓደ ክፋል መጽናዕቲ ሰዋስው ድማ ንተራ ወይ ስራሕ ናይ ቃላት ኣብ ዓረፍተ ነገር ዝገልጽ ኰይኑ፡ ንቃላት ብመሰረት ኣመሰራርትኦም ወይ ከኣ ኣብ ዓርፍተነገር ብዝሰርሕዎ ስራሕ ናብ ክፍልታት ንግግር ይኸፍሎም። ክፍልታት ንግግር ------------ ብመሰረት ሊቃውንቲ ስነ-ልሳን ትግርኛ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍቲ ሰዋስው፡ ትግርኛ ሸሞንተ ክፍልታት ንግግር ኣለዎ። እዞም ዝስዕቡ ኣብ ስዋስው ትግርኛ ዝርከቡ ሸሞንተ 'ክፍልታት ንግግር' ወይ ክፍልታት ሰዋስው እዮም ፦
ስነ-ምእላድ ------------ ስነ-ምእላድ (Morphology) ንቅርጽን ኣቃውማን ቃላት ዘጽንዕ ጨንፈር ናይ ዓውዲ ስነ-ልሳን እዩ። ምንጪ፡፡ ኢንተርነት፡ ኣማኑኤል ሳህለ(ቋንቋ ትግርኛ ብሰፊሑ 1998) |