ክንድ ስም / ተውላጠ ስምኣብ መጽናዕቲ ስነ-ልሳን፡ ክፍልታት ንግግር (Parts-of-speech) ቃላት ብመሰረት ሰዋስውኣዊ ስራሖም ዝምደብሉ ክፍሊ እዩ። ብዘይካ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ንጥቀመሉ ዘለና 'ክፍልታት ንግግር' ዝብል ቃል(ተኪኤ፡ 2014)፣ ን 'parts-of-speech' ወይ 'word classes' ብሊቃውንቲ ዝተዋህበ ዝተፈላለየ መጸውዒ ኣሎ። ንኣብነት 'ወገነቓላት' (ስብሓቱ፡ 1991)፣ 'ክፍልታት ሰዋስው' (ኣማኑኤል፡ 1998)፣ 'ክፍሊ ዘረባ' (ኣዲ፡ 2000) ከምኡ ውን 'ክፍሊ ቃላት' (ዳንኤል፡ 2005) ክንጠቅስ ንኽእል። መብዛሕትኦም ሊቃውንቲ ስነ-ልሳን ትግርኛ ንኽፍልታት ንግግር ኣብ ሸሞንተ መደብ ከፊሎም ይትንትኑ። ቀጺሎም ዝስዕቡ ኣብ ስዋስው ትግርኛ ዝርከቡ ሸሞንተ ክፍልታት ንግግር እዮም ፦
|
ሰዋስው >