ሰዋስው‎ > ‎

ክፍልታት ንግግር

ክንድ ስም / ተውላጠ ስምኣብ መጽናዕቲ ስነ-ልሳን፡ ክፍልታት ንግግር (Parts-of-speech) ቃላት ብመሰረት ሰዋስውኣዊ ስራሖም ዝምደብሉ ክፍሊ እዩ። ብዘይካ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ንጥቀመሉ ዘለና 'ክፍልታት ንግግር' ዝብል ቃል(ተኪኤ፡ 2014)፣ ን 'parts-of-speech' ወይ 'word classes' ብሊቃውንቲ ዝተዋህበ ዝተፈላለየ መጸውዒ ኣሎ። ንኣብነት 'ወገነቓላት' (ስብሓቱ፡ 1991)፣ 'ክፍልታት ሰዋስው' (ኣማኑኤል፡ 1998)፣ 'ክፍሊ ዘረባ' (ኣዲ፡ 2000) ከምኡ ውን 'ክፍሊ ቃላት' (ዳንኤል፡ 2005) ክንጠቅስ ንኽእል።
መብዛሕትኦም ሊቃውንቲ ስነ-ልሳን ትግርኛ ንኽፍልታት ንግግር ኣብ ሸሞንተ መደብ ከፊሎም ይትንትኑ። 
ቀጺሎም ዝስዕቡ ኣብ ስዋስው ትግርኛ ዝርከቡ ሸሞንተ ክፍልታት ንግግር እዮም ፦

1. ስም (Noun)
4. ግሲ/ዓንቀጽ (Verb)
5. ተውሳከ ግሲ/ተውሳከ ዓንቀጽ (Adverb)
6. መስተጻምር  (Conjunction)
7. መስተዋድድ (Preposition)
8. ቃለ ኣጋንኖ  (Interjection)






Comments