ቅጽል ንስም (ከምኡውን ንተውላጠ ስም) ዝገልጽ ክፍሊ ንግግር እዩ። ንስም ክገልጽ ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ እቲ ዝግለጽ ዘሎ ስም ይስራዕ። ንተውላጠ ስም ክውስን ከሎ ግና ብድሕሪኡ እዩ ዝስራዕ። ንመረዳእታ 1. ጻዕዳ ነጸላ ፡ ጽቡቕ ድሌት ፡ ንእሽቶ መጽሓፍ [ ቅጽል ስም ] 2. እዚ ነጸላ ጻዕዳ እዩ [ ስም ቅጽል ] 3. እዚ ነጸላ እዚ ጻዕዳ እዩ [ ስም ተውላጠስም ቅጽል ] ዓይነት ቅጽል ----------- ቅጽል ንስም ብዓይነቱ ይገልጾ። እዚ ዓይነትዚ፡ ዓይነት ሕብሪ፡ ዓይነት ቅርጺ . . .ወዘተርፈ ክኽውን ይክእል ። ብተወሳኺ ንመስፈር፡ ዋንነት፡ ብዝሒ፡ ደረጃ ዝውስኑ ቅጽላት ውን ኣለው። ካብዚ ቀጺሉ ገለ ካብ ዓይነታት ቅጽል ክንዝርዝር ኢና። 1. ቅጽል ዓይነት ንመረዳእታ፣ ጻዕዳ፡ ጸሊም፡ ቀጢን፡ ፎኪስ፡ ሓያል፡ ለዋህ 2. ቅጽል መስፈር ንመረዳእታ፣ ሓደ፡ ዕስራ፡ ኵሉ፡ ገለ፡ ርብዒ 3. ቅጽል ደረጃ ንመረዳእታ፣ ቀዳማይ፡ ካልኣይ 4. ቅጽል ወገን ንመረዳእታ፣ ኤርትራዊ፡ ኢትዮጵያዊ፡ ጀርመናዊ 5. ቅጽል ዋንነት ጥብቆ-ድሕሪት ኰይኑ ምስ ስም ብዝለግብ ምእላድ ይስራሕ ንመረዳእታ፣ ሃገር -> ሃገረይ፡ ሃገርካ፡ ሃገርኩም [hager -> hager-ey, hager-ka, hager-kum] ; ጕንዲ = hager, ምእላድ = [ey,ka,kum]። እዞም ምእላድ እዚኦም ምስ ስም ለጊቦም ንስም ብዋንነት ስለ ዝገልጹ ምስ ቅጽል ይምደቡ። 6. ቅጽል ምንጽጻር ማዕርነት፡ ብልጸት፡ ጸብለልታ ንምግላጽ ንጥቀመሎም ቃላት ምስ ቅጽል ይምደቡ ንመረዳእታ፣ ሓያል ክም ኣንበሳ [ማዕርነት]፣ ንሱ ካባይ ኣዝዩ ይሕይል። [ብልጸት]፣ ንሱ እቲ ዝሓየለ እዩ። [ጸብለልታት] መሳርዕ (pattern) ቅጽል --------------------- እዞም መሳርዕ ኣብ ትግርኛ ኮርፐስ ዝተረኽቡ ኣዝዮም ዝደጋገሙ ቅጽላት እዮም። ንጽል ጥራይ ዘይኮነ ዝረብሑ ቃላት ውን ምስቶም መሳርዕ ተሓዊሶም ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንምሳሌ 'ጽቡቕ' ከምኡ ውን 'ጽቡቓት' ካብቶም ኣዝዮም ዝደጋገሙ ቃላት (ቅጽላት) እንተኾይኖም ኣብ በበይኑ መስርዕ ኣትዮም ይውከሉ።
|
ሰዋስው > ክፍልታት ንግግር >