1. ስም - ንግዙፋትን ረቀቕትን ነገራት እንጠቕሰሉ ክፍሊ ንግግር እዩ። ብሓፈሻ፡ ስም ዝበዝሐ ክፋል ቃላት ናይ ሓደ ልሳን (ቋንቋ) ዝሓቁፍ ክፍሊ ንግግር እዩ። ስም ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ መደባት ክኽፈል ይከኣል። ንሳቶም ከኣ፡
1.1 ናይ ሓባር ስም
ንመረዳእታ - ሰብኣይ፡ ከተማ፡ መጽሓፍ
1.2 ናይ እኩብ ስም - ናይ ሓባር ስም ብእኩብ ክጥርነፍ ከሎ ንጥቀመሉ መጸውዒ እዩ ንመረዳእታ - ሰራዊት፡ ህዝቢ፡ ጻጸ
1.3 ስመተጸውዖ - ንሕይወታዊ ወይ ዘይሕይወታዊ ህላዌ ንውልቂ ዚወሃብ ፍሉይ ስም እዩ። ንመረዳእታ - ዮሐንስ፡ ማርታ፡ ኣሥመራ፡ ጃፓን
1.4 ናይ ግዙፍ ስም - ንግዙፍ ነገራት ንረቝሓሉ መጸውዒ እዩ።
ንመረዳእታ - እምኒ፡ ገዛ፡ ሰብ፡
1.5 ናይ ረቂቕ ስም - ንዘይድህሰስ ሓሳባዊ ነገራት ንረቝሓሉ መጸውዒ እዩ።
ንመረዳእታ - ናጽነት፡ ሰላም፡ ፍቕሪ፡ ሕይወት
ኣብ ትግርኛ ኣስማት ካብ 2 ንላዕሊ ፊደላት ተጠቒምካ ይምስረቱ። ቀጺልና፡ ብቕርጽን ቁጽሪ ፊደላትን ዝተመደቡ ኣስማት ንርአ። መስርዕ (pattern) ናይ ቃላት ንምርዳእ ንኵሎም ተናበብቲ (consonants) 'C' ኢልና ከነመልክቶም ከለና ኣናበብቲ (vowels) ግን ንገዛእ ርእሶም ክውክሉ እዮም። ንሆሄያት( ሀ ሁ . . .) ናብ ጽሕፈት ላቲን ንምልዋጥ ከምዚ ዝስዕብ ምትኽኻል ክንጥቀም ኢና።
ፊደል -- ከ ኩ ኪ ካ ኬ ክ ኮ ላቲን -- ke ku ki ka kE kI ko ቅርጺ -- 1 2 3 4 5 6 7 መስርዕ -- Ce Cu Ci Ca CE CI Co
ንምሳሌ 'ፊደል' ዝብል ቃል ቅርጹ '346' ኮይኑ፡ መስርዑ ድማ 'CiCeCI' እዩ። ብተመሳሳሊ 'ቢዘን' ዚብል ቃልውን ምስ 'ፈደል' ሓደ ዓይነት ቅርጺ ወይ መስርዕ ኣለዎም። ገለ ካብቶም ኣብ ኮርፐስ ትግርኛ ዝተረኽቡ፡ ብብዝሒ ዝደጋገሙ መስርዕ ቃላት ኣስማት (ወይ ከም ኣስማት ኮይኖም ዝሰርሑ) ካብዚ ቀጺልና ክንዝርዝሮም ኢና። እዞም መስርዓት እንተላይ ኣዝዮም ዝደጋገሙ ካብ ስም ዝነቐሉ ረባሕታውን የጠቓልልሉ እዮም። ንምሳሌ፡ ከም በዓል 'ነገራት፡መደባት፡ወረታት. . .CeCeCaCI ' ዝኣመሰሉ ቃላት ኣብ ኮርፐስ ትግርኛ (ምናልባት ድማ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ) ኣዝዮም ካብ ዝደጋገሙ ናይ ብዝሒ ረባሕታ እዮም።
CICaCI |
ስራሕ ግራት ክፋል ሕማም ድቃስ ትካል ዝናብ ዕላል ዕማም ክዳን ፍታሕ ጽላት ንፋስ ድራር ህጻን ልሳን ፍቓድ ግዳይ ክሳድ ልማድ ቅላዕ ግዳም ልዳት ንፋጥ ርባዕ ሕማቕ ምሳሕ ንባብ ቅናት
ጽላል ሕታም ድፋዕ ድላይ ህያብ ሕሳብ ዕባይ ጥዋፍ ድኻም ክራር ልዓት ምራኽ ቅዳሕ ርሳስ ሰሓቕ ውላድ ውራይ ጽባሕ
ዝባን |
CICICi |
ህዝቢ ፍቕሪ ሕብሪ ሕልሚ ክፍሊ ግብሪ ጥንሲ ክብሪ ቅርጺ ሕርሲ ድምጺ
ቅርሲ ምድሪ ንግዲ ልምዲ ምኽሪ ጽምዲ ዕርቂ ጽፍሒ ሕድሪ ዕጥቂ ብሕቲ ብዝሒ ቅጥዒ ጥቕሚ ምስሊ ስድሪ ጥንቲ ፍርሒ ፍርዲ
ፍርሂ ጽሕጊ ዝኽሪ ዕርፊ ድርቂ ፍትሒ ግዝፊ ክንፊ ሕልፊ ሕልቂ ዕምሪ ዕርዲ ዕጽፊ ጥቕሲ ጥርዚ ብልሒ ብርሒ ብርኪ ብርቂ
ግጥሚ ልብሲ ልግሲ ምልኪ ስልኪ ስልቲ ትርፊ |
CeCeCI |
ነገር ጸገም መደብ መጠን መሰል ወገን ሰነድ ዘመን ቀረብ ቀለብ
ጠለብ ደገፍ ገረብ ሰረት ደረት ገበን ገደብ በደል ደቀን ወደይ ጸጸር ቀመም ወሰን ጠቐር በለስ በረድ ደመይ ፈለግ ፈረስ
ገጠር ገመድ ገመል ገነት ከሰል ለጠፍ መዘዝ ነበር ቀለም ረመጽ ሰበን ሰፈር ሰገን ተረፍ ወለድ ወሰኽ
ዘመድ |
CaCeCI |
ዓመት ሃገር ዓለም ዓወት ሓገዝ ሓመድ ዓቐን ዓቐብ ሓዘን ባጀት ሓበን ሓሰር ሓቀን ዓገብ ዓመጽ ዓረብ |
CeCICi |
መግቢ ወርሒ መልሲ ለይቲ ለውጢ ወፍሪ ጠንቂ በትሪ ነጥቢ ደርፊ በርቂ
ጸቕጢ ቀጽሪ ወግዒ ከብቲ ቀትሪ ወቕቲ ጠስሚ ፈውሲ ገርፊ ወርቂ ደርቂ ነውሪ ረኽሲ ወጥሪ ሰይቲ ተኽሊ ወቕዒ ወልፊ በጽሒ
ፈርጊ ገድሊ መትኒ ቀውዒ ቀይዲ ሰልፊ ወይኒ ቐትሪ ጠይቂ ደርቢ ፈልሲ ከልቢ ከርሲ ነብሪ ነብሲ ነግሒ ቀብሪ ቀንዲ
ቀስቲ ቀዝሒ ረፍዲ ረስኒ ሰውሒ ወጅሂ ጸግዒ ጸርፊ ዘንጊ ዘውዲ ዘይቲ |
CICICeCI |
ፍልጠት ህይወት ዕብየት ንብረት ድኽነት ድሕነት ፍትወት ርሕቀት ሕጽረት
ህንጸት ዕግበት ድምቀት ንጥፈት ጽሕፈት ውህደት ዕንወት ድርቀት ስሕበት ድኽመት ድፍረት ግድነት ክብረት ክስተት ንግደት
ስዕረት ስቕለት ስብከት ጽዕነት ጽርየት ሕድገት ሕፍረት ሕትመት ዕትበት ጥብቀት ጥምረት ጥምየት ብኽነት ብርሰት ብስለት ድልየት ፍጥነት ፍልሰት ፍርሰት ህርመት ክብደት ክብረይ ቅስመት ርሕቐት ርዝነት ውድቀት ውህበት ጽርበት |
CaCICi |
ሓይሊ ዓቕሚ ጻዕሪ ዓውዲ ዓምዲ ባህሊ ዓይኒ ባህሪ ቃልሲ ዓንዲ ባሕሪ
ሃብቲ ናህሪ ዓርኪ ባህጊ ናውቲ ዋሕዲ ሓውሲ ጻዕቂ ሳዕሪ ዓቕሊ ዓጽሚ ጣዕሚ ሓምሊ ሓንቲ ሓጽቢ ዓስቢ ባንኪ ጋህዲ
ናሕሲ |
CeCeCa |
ለበዋ ደረጃ ከተማ ዘረባ ጸወታ ፈተና ገበታ ገደና ጀበና ለበዳ በረኻ
ፈለማ ወፈራ በደላ ገበላ ከበሳ መለሳ ወደሳ ወለላ |
CICICaCI |
ብዕራይ ስርዓት ብቕዓት ልምዓት ሕግታት ዕድላት ቅንያት ግጥማት ስርሓት
ሕርካም ብርሃን ንቕሓት ግንባር ምዕራብ ምብራቕ ስልጣን ውዕላት ብልሓት ምዕራፍ ንውሓት ሕንጻጽ ልብታት ርክባት ፍንጃል
ህርፋን ርስሓት ስድራይ ትንፋስ ሕርቃን ዕብዳን ቕንያት ጥዕናይ ብንያም ፍርያት ግምታት ክልታት ምግራብ ምንጣር ምውታት
ንብዓት ቅድታት ስግዳን ውጥናት ውድባት ጽግያት |
CeCaCI |
ሰባት በዓል ሰዓት ጸሓይ ሰዓል ሰማይ መዳይ ሰላም ጸዓት ጸላም ደሃይ መዓር ወራር ጠባይ ደሓን ፈሓም ቀላይ ገዓት ገዳም ለቓሕ መዓል መቓን ነሓስ ሰናይ ተሓዝ ዘራፍ |
CaCICeCI |
ዓይነት ናጽነት ማዕከን ማሕበር ሓርነት ዓንቀጽ ዓርከይ ሓድነት
ማሕዘል ማሕተም ላህመት ማሕረስ ማህጸን ዓርከት
ባህገይ ባርነት ማዕበል |
CoCa |
ዞባ ቦታ ሞያ ሞሳ ቆላ |
|
|
|
|
|
|
|
|
CeCeCaCI |
ነገራት መደባት ጸገማት ዘገዳም ወገናት ሰነዳት ገጠራት ገበናት ጠለባት
ጀነራል መሰላት ዘመናት ደበናይ ቀመማት ወረታት ዘረባይ |
CeCI |
ሰብ ገጽ ደም |
|
|
|
|
|
|
|
|
CeCICeCI |
ገንዘብ መድረኽ መስመር መርበብ ሰብነት መስቀል መንፈስ ነብሰይ ወድሰብ
መፍለስ መንበር መዝገብ ቀልቀል ጀንደር መኽሰብ መንነት ደንደስ ገልገል ገምገም ከንፈር መሕሰር መግነዝ መልቀስ
መንደቕ መንፈቅ መንጸፍ መስፈር መትከል መዝገብ ሰምበል |
CICICICaCI |
ምኽንያት ውድድራት ድንድላት ምምሕዳር ምልክታት ሕልምታት ክብርታት
ቅርስታት ምኽርታት ቅልውላው ሕብርታት ጽውጽዋይ ብርክታት ክፍልታት ዕንቅፋት ህዝብታት ቅርጽታት ልምድታት ልምምዳት ጥቕምታት
ክንክናት ምርምራት ምስልታት ጽፍሕታት ጽምብላት |
CICE |
ግዜ |
|
|
|
|
|
|
|
|
|
CICICICI |
ውድድር ፍልልይ ቅድድም ምልክት ስምምዕ ዝርዝር ድንድል ልምምድ ምስክር
ክንክን ዝርርብ ድልድል ክርፍስ ምርምር ጽንብል ክርክር ክትትል ምኽትል ምክትል ቅልጽም ጽምብል |
CaCICa |
ጋንታ ባይታ ቃንዛ ዛንታ ናብራ ሃስያ ራህዋ ዋዕላ ማልያ ፋይዳ
ላህጃ ዓኽታ ዓቕማ ዓርካ ዓስባ ዓጽማ ጣልቃ ጣውላ ጣይታ ባህታ ዳስካ ካሕሳ ላምካ ማሕላ ማንካ ፓስታ ሳንጣ
ዋሕሳ ዋልታ ዛዕባ ዛግራ |
CICICI |
ዕድል ግምት ውዕል ግጥም ርክብ ግድን ውጥን ውድብ ህልኽ ልክዕ ድምር
ፍትሕ ክትዕ ልዝብ ብይን ክውን ምድብ ቅጅል ቅጽል ውሕጅ |
|